እዚ ነጻ መእተዊ ካርድ ወይ ፓስ (le Pass Bienvenue) ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ከተማ ስዮንን ስየርን ክቕመጡ ዝጀመሩ ይምልከት። እዚ ካርድ ንሓደ ሰብ ዝወሃብ ኮይኑ ካብ ክፍሊት ነጻ ኢዩ። ኣብ ከተማ ስዮንን ስየርን፡ ኣብ ኣስታት 60 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ባህላዊያን ኣገጣሚታትን ክንጥቀመሉ ንኽእል። እዚ ካርድ ካብ ዝተዋህበሉ ግዜ ንሓደ ዓመት የገልግል።