ኣጠቓቕማ ሕግታት

 

ኣጠቓቕማ ሕግታት መእተዊ ካርድ

 

1.     ኣገልግሎት ናይዚ መእተዊ ካርድ

1.1               እዚ ካርድ ወይ ፓስ ቤንቨንዩ ካብ ዝተዋህበሉ ግዜ ንሓደ ዓመት የገልግል። ዝተፈላልየ ባህላውያን ማእከላትን ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ብዘይ ገደብ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ።

1.2        እዚ ካርድ ነቶም ኣብዞም ባህላዊ ቦታታት ዝዳለዉ ምርኢታት ናይቲ ወቅቲ ጥራይ የገልግል። ካብዚ ዝተገልጸ ወጻኢ ወይውን ብካልኦት ውልቀ ሰባት ዝዳሎ መደባት ክንጥቀመሉ ኣይከኣልን እዩ። ምስ ፕሮግራም ናይ ካልእ ባህላውያን ቦታታት ወይውን ብምምሕዳር ናይዞም ቦታታት ኣይምወልን ኢዩ።

1.3               እዚ ካርድ ስማዊን ንካልእ ሰብ ዘይመሓላለፊን እዩ። ሕጋዊ ወረቀት (ፓስፖርት፡ ወረቀት መንነት ወይውን መምርሒ ፍቃድ መኪና ) ሒዝና ምስ ንቐርብ  ንኣገልግሎት ብቁዕ ይኸውን።

2.    መእተዊ

2.1        ናብ ሓደ ባህላዊ ምሸት ክንከይድ እንተደሊና ኣቐዲምና ቦታ ክንሕዝ ኣለና። ወይ ከኣ ብኣካል ተረኺ
ብና
 ነጻ ቦታ እንተሎ ነቲ ምርኢት ክንዕዘብ ንኽእል።(እዚ ከኣ ነታ ባህላዊ ምሸት ጥራይ ይምልከት)

2.2        ቦታ ክንሕዝ ኣብ እንደልየሉ ጊዜ ነጻ ካርድ መእተዊ ከም ዘለና ከነነጽር ንሕተት።

2.3        ናብ ዝኾነ ባህላዊያን ቦታታት ክንኣቱ ከለና እዚ ዝወሃበና መእተዊ ካርድን ወረቐት መንነትን ከነርእይ ንሕተት።

 

3.    ዕቃበታት

3.1        ከተማ ስዩንን ስየርን ምኽንያት ከይሓበረ ንጠለብና ክነጽጎን ወይውን ነዚ ካርድ ንኸይንጥቀመሉ ክዓግቶን መሰል ኣለዎ። ሕጋዊ ዘይኮነ ኣጠቓቕማ  ውይውን ናይ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ጥርጣረ ምስ ዝህሉ፡ ከምኡውን እዚ ካርድ ዘይተሓደስ ምስ ዝኸውን ንኸይንጥቀመሉ ክእግደና ይኽእል።

3.2        ነዚ ካርድ ብዘይ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ምስ እንፍትን ንኣብነት ናብ ሳልሳይ ኣካል እንተኣመሓላሊፍናዮ፡ እዚ ካርድ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ይኸውን።

 

4.    ድሕነት ብዛዕባ ምትሕልላፍ መንነት

4.1        ከተማ ስዩንን ስየርን መንነትና ንከይመሓላለፍ ብሕጋዊ መገዲ ተቐይዱ ይኸይድ። ንውሕስነትና ከኣ ዝግባእ ስጉምቲ ይወስድ።

5.    ተወሳኺ ሕቶ ምስዝህልወኩም ወይውን እዚ ካርድ  እንተጠፊኢኩም ብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትውከሱና ትኽእሉ።

Ville de Sion